እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክኸውን ብሰብ ሞያ ሕክምናን ክኢላታት ጥዕና ህዝቢን፣ ብመንግሥቲ ካናዳን ከምኡ’ውን ኻልኦት ሥነ-ፍልጠታውያንን ሕክምናውን ምንጪታት ብምጥቃም ዝተዳለወ እዩ፡፡ ከም ሓደ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን፡፡ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምስ ዝህልወካ ካብ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ ኣላዪ ክንክን ጥዕና ወትሩ ምኽሪ ድለይ፡፡
ክታበት ምውሳድ ብቫይረስ ኾቪድ-19 ተለኺፍካ ንኸይትሓምም ወይ ከኣ ንከይትመውት ኪሕግዘካ እዩ፣ ብተወሳኺ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ካናዳ ንኸይስፋሕፋሕ ደው ንኽብል፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እውን ንኸይዛመት ንምቁጽጻር ኣብዝሓ ኻናዳውያን ክታበት ክወስዱ ኣለዎም፡፡
ብኮቪድ-19 ዝተለኽፈ ሓደ ውልቀ ሰብ፣ ዋላ’ኳ እንተ ዘይሞተ ንነዊሕ እዋን ዝነብሩ ሕልኽልኽ ናይ ጥዕና ጸገማት፤ ከምኡ’ውን ካልኦት ናይ ጥዕና ተጓንፎታትን ከም ናይ ምዝካር ተኽእሎ ምቕናስ፣ ድኻም፣ ክግለጽ ዘይካኣል ናይ ምትንፋስ ጸገማትን፣ መጉዳእቲ ሳምቡእን ልብን ከጋጥምዎ ይኽእሉ’ዮም፡፡
እኹል ሰባት እንተደኣ ናይ ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም (immunity) ሃልይዎም፣ እቲ ቫይረስ ናይ ምዝማት ዕድሉ ንኡሽቶ ይኸውን፡፡ ናብ መጓሰ ማሕበረሰብ ንኽንበጽሕን፣ ናብ መዓልታዊ ህይወትና ክንምለስን፣ ንግዲ እንደገና ክኽፈትን፣ ፈተውቲና ምእንቲ ክንሪኢን እንደገና ክንሓቑፎምን፣ እንተ ዋሓደ 75% ህዝቢ ክንከትብ ኣሎና፡፡
ኣይፋሉን፡፡ ኩሉ ክታበታት ኮቪድ-19 ብናጻ ዝዋሃብ እዩ፡፡
ኣብ መፋርቕ ጁን፣ National Advisory Committee on Immunization (NACI, ሃገራዊ ኮሚቴ ኣማኻሪት ኣብ ክታበታት) ናይ ኮቪድ-19 ክታበታት ካልኣይ ዶዝ ተለዋዋጢነት ብዝምልከት ለበዋታቱ ኣመሓይሹ ኣሎ። ነቶም ቀዳማይ ዶዝ ናይ ኣስትራዜናካ ዝወሰዱ ውልቀሰባት ሕጂ ከም ካልኣይ ዶዝ ክታበት mRNA ተመራጺ እዩ፡ እዚ ድማ ብመሰረት መርትዖ ናይ ተኽእሎ ዝሓሸ ምላሽ ምክልኻል ካብ’ዚ ዝተሓዋወሰ መደብ ናይ ክታበት እዩ።
ሓደ ክታበት mRNA (ፋይዘር-ባዮኤንተክ ወይ ድማ ሞደርና) ከም ቀዳማይ ዶዝኩም እንተድኣ ወሲድኩም፣ ከም ካልኣይ ዶዝ ክታበት mRNA ክትውሃቡ ኢኹም። ከምቲ ኣብ ፈለማ ግዜ ዝወሰድክሙዎ ሓደ ዓይነት ክታበት ክትወስዱ ይምረጽ፣ እዚ ግን ኣብ ቀረባ እንተዘየለ ወይ ዘይፍለጥ እንተኾይኑ፣ ኣብ’ዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ካልእ ዓይነት ክታበት mRNA ምውሳድ ደሓን እዩ። ክልቲኦም ማዕረ ውሑሳትን ውጺኢታውያንን እዮም።
እንተድኣ ኣስትራዜንካ ከም ቀዳማይ ዶዝ ወሲድኩም፣ ኣስትራዜንካ ከም ካልኣይ ዶዝ ክትመርጽዎ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተኾነ ግን ሕጂ NACI ንካልኣይ ዶዝ ክታበትኩም mRNA ክትወስዱ ይመክር ኣሎ።
ኩሎም ኣብ ካናዳ ንምጥቃም ዝተፈቕዱ ክታበታት ብማዕረን ኣድማዕነትን ኣብ ሆስፒታል ምድቃስን ከቢድ ሕማምን ይቕንሱ፣ ከምኡ ድማ ዳርጋ 100% ካብ ኮቪድ-19 ዝመጽእ ሞት ኣብ ምክልኻል ውጺኢታውያን እዮም።
እቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ንምሉእ ምክልኻል ብክልተ ዶዝ ክትክተቡ ክትጽበዩ የብልኩምን። ዝያዳ ኬዛት፣ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስን ሞትን ዘስዕቡ ዘለዉ ሓደሽቲ ቫርያንት ቫይረሳት ይቕልቀሉ ኣለው፣ ስለ’ዚ ድማ እቲ እንኮ ናይዚ ደው መበሊ መገዲ ናይ ሓባር ክታበት እዩ።
ብመሠረት ናይ ካናዳ ሓለዋ ጥዕናን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ዓሠርተታት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ተቐበልቲ ክታበታት ብዝተገብረ ክሊኒካዊ መርመራ ብምምርኳስ፦
ፋይዘር-ባዮኤንቴክ ድሕሪ ክልተ ዓቐን (ዶዝ) 95% ውጽኢታዊ እዩ፡፡
ምንጪ፦ https://www.canada.ca/en/health-canada/services/drugs-health-products/covid19-industry/drugs-vaccines-treatments/vaccines/pfizer-biontech.html
ሞደርና ድሕሪ ክልተ ዓቐን 94% ውጽኢታዊ እዩ፡፡
አስትራዘኒካ ድሕሪ ክልተ ዓቐን 62% ውጽኢታዊ እዩ፡፡ (ኣብ ሰሜን / ደቡብ አሜሪካ ብዝተገብረ መጽናዕቲ መሠረት 79%)
ናይ ሪል ዎርልድ ጸብጻባት ከም ዚሕብርዎ ኤዜድ ሆስፒታል ንዘይምእታው 80-90% ውጽኢታዊ እዩ፡፡
ምንጪ፦ https://www.canada.ca/en/health-canada/services/drugs-health-products/covid19-industry/drugs-vaccines-treatments/vaccines/astrazeneca.html
ጆንሶንን ጆንሶንን ድሕሪ ሓደ ዓቐን 66% ውጽኢታዊ እዩ፣ ከምኡ’ውን ናይ ሪል ታይም መጽናዕታዊ ሓበሬታ ከምዝገልጾ ሆስፒታል ምእታውን ከቢድ ሕማምን ብምክልኻል >90% ውጽኢታዊ እዩ፡፡
ምንጪ፦https://www.canada.ca/en/health-canada/services/drugs-health-products/covid19-industry/drugs-vaccines-treatments/vaccines/janssen.html
ብሓፈሻ ኣርባዕቲኦም ክታበታት ሆስፒታል ምእታውን፣ ከቢድ ሕማም ኮቪድ-19ን፣ ሞትን ብምክልኻል ውጽኢታዊያን እዩ፡፡
እዚ ኣብ መንጎ ክታበታትን ፍሉይ ዓይነት ቫይረሳትን ይፋላለ’ዩ፣
ነፍሲ ወከፍ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ’ዚ እዋን እዚ ኣብ ካናዳ እናተዛዋወሩ ብዝርከቡ ፍሉይ ዓይነታት ቫይረስ (variants) ንዝመጽእ ከቢድ ሕማም/ሞት ይከላኸል’ዩ፡፡
ኣንጻር ውሱን ዓይነታት ዝተዳለዉ መድኃኒታት ዘለዎም ውጺታዊነት ዋላ’ኳ ዝዋሓደ ተርእዮ ይሃሉዎ እምበር፣ እቶም ኣዳለውቲ መድሓኒት ድማ ኣንጻር እዞም ልውጥ ዓይነታት ቫይረስ ብዝሓሸ መገዲ ዝሰርሑ ክታበታት እንዳፈጠሩ ይርከቡ፣እዚ ድማ አብ ዝመጽእ እዋን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ዘበረታትዕ ዓቐን ክታበት ምናልባት ክርከብ ትኸውን፣ እዚ ድማ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ወይ ዓመታት ውጽኢታዊ ክኸውን እዩ፡፡
ን ንፋይዘር-ባዮኤንቴክ፣ ሞደርና ከምኡ’ውን አስትራዘኒካ, ክልተ ዶዝ ምውሳድ ዜድድየሉ ምኽንያት እቲ ቀዳማይ ዓቐን መድሓኒት ኣብ ናይ ኣካላትካ ዘሎ ሥርዓተ ምክልኻል ምላሽ ንምሃብ ንኽኽእል ከም መንጸፍ ይኸውን፦ ኣካላትካ ድማ ንኮቪድ-19 ንምቅላስ ዘኽእሎ ጸረ ኣካል (antibodies) ንምስራሕ ይማሃር ማለት’ዩ፡፡ እቲ ኻልኣይ ዓቐን መድሓኒት ድማ ኣብ ኣካላትካ ዘሎ ሕማም ናይ ምክልኻል ተኽእሎ ዝሓየለን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕን ክኸውን “ዝያዳ የበርትዖ”፡፡ ምሉእ ንምሉእ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ምእንቲ ክህልወካ እውን ክልቲኦም ዓቐን ኣድላዪ እዮም፡፡
ናይ ጆንሶንን ጆንሶንን ክታበት ተፈቲኑስ ብሓንቲ ዓቐን (ዶዝ) ጥራይ ንሰባት ንምዕቃብን ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሞም ኣብ ምዕባይን ውጽኢት ኣርኢዩ’ዩ፡፡
ፋይዘር-ባዮኤንቴክን ሞደርናን፦ ክታበታት ኤምአርኤንኤ
ነቲ ናይ ኮቪድ-19 ቅርንብ ፕሮቲን ዘዳሉ ንኡሽቶ ኤምአርኤንኤ ፕሮቲን ናብ ውሽጢ ሴልካ ይአቱ’ሞ ኣንጻር ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝዋግኡ ጸረ ኣካል ክሰርሕ ንኣካላትካ ይምህሮ፡፡ ድሕሪኡ እቲ ኤምአርኤንኤ ኣብ ውሽጢ ኣካላትካ መምርሒታት ይሓድግ እሞ ኣብ ሰዓታት ባዕሉ ይጠፍእ፡፡
አስትራዘነካን ጀይን ጀይን፦ ፍላጻ ቫይረስ ክታበታት ፣
እዞም ክታበታት እዚኦም ጉድአት ከብጽሕ ዘይክእል ዝተዳኸመ ቫይረስ (ልክዕ ከም ናይ ጉንፋዕ ዓይነት ቫይረስ) ይጥቀሙ’ዮም፣ ድሕሪኡ እተወሰነ ክፋል ናይ’ቲ ኮቪድ-19 ቫይረስ ዓንኬል ቁራጽ ፕሮቲን ብምውሳኽ ክማሓየሽ ይግበር፡፡ እዚ መስርሕ’ዚ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ኤምአርኤንኤ ክታበታት ብተመሳሳሊ ኣካላትና ጸረ ኣካል ንኽሰርሕን ንኻልኦት ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም ሴላት ምንቅስቓስን እዩ፡፡
ዋላ ሓደ ኻባታቶም ምስ ናትካ ዲ ኤን ኤ ኣይክዋሳእን ኣይክልውጦን’ውን እዩ!
ዋላ ሓደ ኻብኣቶም ህያው ቫይረስ ኮቪድ-19 ዝሓዘ ኣይኮነን፡፡
ኩሎም ድማ ተመሳሳሊ ጎናዊ ሳዕቤን ኣለዎም፣ ንኣብነት፦ ኣብ’ቲ መርፍእ ትውጋኣሉ ቦታ ቃንዛ፣ ድኻም፣ ረስኒ፣ ወይ ከም ኢንፍሉዌንዛ ዝመስል ምልክታት፣ ሕማም ርእሲን ፈኩስ ቃንዛ ጭዋዳን / መላግቦን፣
ሓለዋ ጥዕና ካናዳ ዝፈቐዶም ኣብ ካናዳ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ክታበታት ኮቪድ-19፦ ፋይዘር-ባዮኤንቴክ፣ ሞደርና፣ አስትራዘነካ ከምኡ’ውን ጆንሶን (ጆንሶንን ጆንሶንን) እዮም፡፡
አይፋሉን፡፡ ዝኾነ ይኹን ክታበት እንተላይ ክታበት ኮቪድ-19 ምውሳድ ህያው ዝኾነ ክታበት ኣይኮነን እሞ ነቲ ውጽኢት መርመራ ኮቪድ-19 ኣይትንክፎን እዩ፡፡