እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ነዚ መርበብ ሓበሬታ ክኸውን ብሰብ ሞያ ሕክምናን ክኢላታት ጥዕና ህዝቢን፣ ብመንግሥቲ ካናዳን ከምኡ’ውን ኻልኦት ሥነ-ፍልጠታውያንን ሕክምናውን ምንጪታት ብምጥቃም ዝተዳለወ እዩ፡፡ ከም ሓደ ሕክምናዊ ምኽሪ ንኽውሰድ ዝዓለመ ኣይኮነን፡፡ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ዝኾነ ይኹን ሕቶ ምስ ዝህልወካ ካብ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ ኣላዪ ክንክን ጥዕና ወትሩ ምኽሪ ድለይ፡፡
ኣብ ከባቢኻ ነቲ ክታበት ኮቪድ-19 ንምውሳድ ብቑዕ ድየ እናበልካ ትሓስብ እንተ ዀንካ፣ ወይ ክታበት ኮቪድ-19 ንምውሳድ ቆጸራ ንምሓዝ ክትምዝገብ እንተ ደሊኻ፣ እዋናዊ ሓበሬታን፣ ኣብ’ቲ ትነብረሉ ኸባቢ ዘለዉ ናይ ምዝገባ መማረጺታትን ንምርካብ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ሊንክ ጠውቕ፡፡
ብሪትሽ ኮለምቢያ
አልበርታ
ሳስኬችዋን
አኒቶባ
ኦንታሪዮ
ኩዊቤክ
ኒው ብራንዝዊክ
ኖቮ ስኮሻ
ኒው ፋውንድላንድ እና ላብራዶር
ፕሪንስ ኤድዋርድ አይላንድ
ኖርዝዌስት ተሪቶሬስ
ኑኑቩት
ዩኮን
እቲ ኣብ ካናዳ ኣብ ጥቕሚ ኪውዕል ዝተፈቐደሎም ክታበታት ኮቪድ-19 እንቋቑሖ፣ ጀላቲን፣ ሥጋ፣ ናይ ሓሰማ ሥጋ፣ ፍርያት ዕሸል፣ ሜርኩሪ፣ ፎርማልዳይድ፣ አሉሚኒየም፣ ቲሜሮሳል፣ ወይ ላቴክስ የብሎምን፡፡ ከምኡ’ውን ብሥርዓት ኣመጋግባን፣ ብሃይማኖታዊ ምኽንያታትን ክቕየዱ ዝኽእሉ ቅመማት የብሎምን፡፡
ንነፍሲ ወከፍ ክታበት ዚኸውን እተማልኤ ዝርዝር ተዋጽኦታት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ክርከብ ይኽእል እዩ፦
ፋይዘር-ባዮኤንቴክ፦ https://www.canada.ca/en/health-canada/services/drugs-health-products/covid19-industry/drugs-vaccines-treatments/vaccines/pfizer-biontech.html
ሞደርና፦ https://www.canada.ca/en/health-canada/services/drugs-health-products/covid19-industry/drugs-vaccines-treatments/vaccines/moderna.html
ምንም ዝተዘለሉ ስጉምቲታት የለዉን፤ ከምኡ’ውን እቲ ንድሕነት ዝምልከት መስርሕ ኩሉ ዝተኸተለ እዩ፡፡ እቶም ክታበታት ብቕልጡፍ ዝተዳለዉሉ ምኽንያት ብናይ ቴክኖሎጂያዊ ምዕባለታትን ከምኡ’ውን ስምረት ሕክምናዊ ዘይኮኑ ክፋላት (ቢሮክራሲያዊ መሥርሕን ብቕጽበት ምሕታምን) ብቕልጡፍ አሰር ጉዕዞኦም ክትትል ስለ ዝተገብረን እዩ፡፡
አይፋሉን፡፡ እቲ ኣብ ክታበት ንምድላው ዝዋዓለ ፕሮቲን ምስ ዲ ኤን ኤ ኣይዋሳእን፣ ኣይልውጦን‘ውን፡፡ ድሕሪ ሰዓታት እቲ ኽታበት ንቕድሚት ምናልባት ንኮቪድ-19 ቫይረስ እንተ ተተቓላዕኻ ጸረ ኣካል ብዛዕባ ምስራሕ ዘለዉ መምርሒታት ኣብ አካላትካ ንድሕሪት ገዲፉ ብባህርያዊ መገዲ ይጠፍእ፡፡
ክታበት ፋይዘር-ባዮኤንተክ 12ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድሚኦም ቈልዑ ክዋሃብ ብናይ ሓለዋ ጥዕና ካናዳ ተፈቒዱ እዩ፡፡
እቶም ክታበታት ሞደርና፣ አስትራዘነካን፣ ጆንሶን ጆንሶንን ግና ዕድሚኦም 18 ዓመት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ንዘለዉ ክዋሃብ ተፈቒዱ እዩ፡፡
ኣብ’ዚ እዋን እዚ ክታበት ኮቪድ-19 ኣብ ልዕሊ ኣናኡሽቲ ቈልዑ ዘለዎ ድሕነትን ውጽኢታዊነትን ንምውሳን መጽናዕቲታት ይግበር ኣሎ፡፡
ኣብ‘ዚ እዋን እዚ ኣብ ካናዳ ክታበት ኮቪድ-19 ምስ ካልኦት ክታበታት ኣብ ሓደ እዋን ክዋሃብ የብሉን፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ኣሜሪካ ጊዜ ኣብ ግምት ከየእተወ፣ ብተመሳሳሊ መዓልቲ ክታበት ኮቪድ-19 ከምኡ’ውን ካልኦት ክታበታት ኣብ ሓደ እዋን ምሃብ ወሲኹ ክታበት ኮቪድ-19 ምስ ካልኦት ክታበታት ክዋሃብ ይካኣል’ዩ፡፡ እዚ ንዓኻ ዝተሓበረ እንተ ዀይኑ ምስ ኣላዪ ኽንክን ጥዕናኻ ኽትመያየጥ ኣሎካ፡፡
ዳርጋ ኹሉ ሰብ ነቲ ኽታበት ብዳሓን ክወስዶ ዝኽእል እንትኸውን፣ ኣዚዮም ሒደት ዝኾኑ ሰባት ግና ብሰንኪ እቲ ብምኽንያት ገለ ኽፋላት እቲ ክታበት ዘልዕሎ ናይ አካላት ከቢድ ቁጠዐ ግብረ መልሲ ካብ’ቲ ክታበት ክርሕቑ ይግበኦም፡፡ በቲ ዘሎ ቀጻሊ ሓደጋ ኮቪድ-19 ምኽንያት ድማ መብዛሕትኦም ሰባት ክታበት ክዋሃቡ ይኽእሉ እዮም፡፡ እኳ ደኣስ እቶም መሠረታዊ ጸገማት ጥዕና ዘለዎምን ብሕክምና አዝዮም ንሕማም ዝቃልዑ ሰባት ብሰንኪ ረኽሲ ኮቪድ-19 ንዝመጽእ ጸገማት ብቐሊሉ ክጥቅዑ ስልዝኽእሉ እቲ ኽታበት ኣብዚ ተረኽበሉ እዋን ጊዜ ከየጥፍኡ ሽዑ ንሽዑ ክወስዱ ኣለዎም፡፡
ዋላ እውን ካብ ሕማም (ንኣብነት፦ ሽንግልስ) ትሓዊ እንተ ሃለኻ፣ ብሓፈሻ ክረአ ከሎ ነቲ ክታበት ኮቪድ-19 ክትወስድ ትኽእል ኢኻ፡፡ ስሩዕ ንጥፈታትካ ንኸይትፍጽም ዚዓግተካ ሓድሽ ሕማም እንተ ሃልዩካ ግና ክሳዕ ትሓዊ ክታበት ካብ ምውሳድ ክትጸንሕ ኣለካ፡፡ እዚ ኸኣ እቲ ክታበት ከምጽኦ ዝኽእል ጎዳኢ ጎናዊ ሳዕቤን ካብቲ እንዳገደደ ዝከይድ ኻልእ ሕማም ንምፍላይ ይሕግዝ፡፡ ብተወሳኺ እውን ካብ ተመሓላላፊ ሕማም ክሳዕ ትሓዊ ምጽባይ፣ ክታበት ክትወስድ ከለኻ ንኻልኦት ሰባት ኣብ ሓደጋ ከም ዘየእትዎም የረጋግጽ፡፡
ምልክታት ኮቪድ-19 እንተ ሃልዩካ ኣብ ቤትካ ንበይንኻ ዀይንካ ተዓቖብ፣ ምርመራ እውን ግበር፡፡
ዳርጋ ኩሉ ሰብ ነቲ ክታበት በዳሓን ክወስዶ ይኽእል እዩ፡፡ ድኹም ዝኾነ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ንዘለዎም ወይድማ ብጌጋ ንናይ ባዕሉ ሴላት ዝዋጋእ ሕማም ዘለዎም ሰባት ግና ብዛዕባ ድሕነት ብዙሕ ኣየታሓሳስቦምን፡፡ ኣብ እቶም ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣዝዩ ዝተዳኸሞም ስባት እቲ ክታበት ከምቲ ትጽቢት ዝግበሮ ከይሠርሕ ይኽእል እዩ፡፡ ሕቶታት እንተ ኣሎኩም ከምኡ’ውን ሥርዓተ ምክልኻል ሕማምኩም ዝተዳኸመ እንተ ኾይኑ፣ ወይ ናይ ባዕልኹም ሴላት ባዕሉ ዘጥቅዕ ሕማም እንተሎኩም ብዛዕባ ጉዳይ ክታበት ኮቪድ-19 ን ኣላዪ ክንክን ጥዕና ሓኪምኩም ኣዛርቡ፡፡
ጽግያት ዝተሓላለኸ መስርሕ ዘለዎ እዩ’ሞ ብኸም ከባቢያዊ ለውጢታት፣ ወጥሪ፣ ድቃስ፣ ከምኡ’ውን ዝተወሰኑ መድሓኒታት ዝኣመሰሉ ብዙሕ ነገራት እውን ኪጽሎ ይኽእል እዩ፡፡ ብሓቂ እኳ ደኣስ እቲ ፎደራ ማህጸን ንጡፍ ክፍሊ ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም ጌርካ እዩ ዝረአ፡፡ ክታበት ብምውሳድካ ወይ ብምሕማምካ ምኽንያት ድማ ሥርዓተ ምክልኻልካ ብዙሕ ክሰርሕ ከሎ ኣብ’ቲ ማህጸን ውሽጢ (endometrium) ብዝህቦ ግብረመልሲ ለውጢታት ክጋጥመካ ይኽእል’ዩ፡፡ በዚ ኸምዚ መገዲ ድማ እቲ ክታበት ነቲ ጽግያት ክጸልዎ ይኽእል እዩ፡፡
ሓደ ካብቲ ክትዝክሮ ዘለካ ነገር ግና ኣብ ዝኾነ ጊዜ ብዙሓት ሰባት ክትሪኢ ከለኻ ገሊአን ሰባት ኣብ ወርሓዊ ናይ ጽግያተን ዑደት ወትሩ ለውጢ ኬጋጥመን ይኽእል እዩ፡፡ ኣብ መላእ ዓለም ብኣማኢታት ዝቑጸር ክታበት ምስ ዝዋሃብ፣ ኣብ ዑደት ጽግያተን ለውጢ ዜጋጥመን ሒደት ሰባት እውን ግድን ክህልዋ እየን፡፡ እቲ ክታበት ግና ደሓን ከምዝኾነ፣ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዑደት ጽጌያት ኪህሉ ዝኽእል ለውጢታት ዘተሓሳስቡ ነገራት ኸም ዘለዉ ዚሕብር እኹል ሓበሬታ ኸም ዘየለ ተመራመርቲ ኣረጋጊጾም እዮም፡፡
እቲ ክታበት ኮቪድ-19 ድሕሪ ምኽታብ ኣይፈስስን እዩ፡፡ ስለዚ ምስ ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተኸትቡ ውልቀሰባት ኣብ ጥቓኦም ምርካብ ንዑደት ናይ ሓደ ውልቀሰብ ክጸልዎ ትጽቢት ኣይግበረሉን እዩ፡፡
ነቲ ኽታበት ምስ ወሰድካዮ ብኡኡ ሰንኪ ዝጋጥም ዝኾነ ለውጢ ጽጌያት ጊዜያዊ ጥራይ እዩ፡፡ ስለዚ ንዘይ ምኽታብ ከም ሓደ ምኽንያት ክኸውን የብሉን፡፡ ይኹን እምበር ዑደታት ብካልእ ምኽንያታት እውን ክድናጐዩ ስለ ዝኽእሉ ዘታሓሳሰበን ደቂ ኣንስትዮ ምስ ሓካይመን ክዛራረባ ኣለወን፡፡
ናይ ካናዳ ናይ ጥንሲን ማህጸንን ማሕበር ሓካይም (SOGC)፣ ብሔራዊ ኣማኻሪ ኮሚቴ ምክልኻል ሕማም፣ ከምኡ’ውን ኣብ ካናዳ ዘለዉ ክኢላታት ህዝባዊ ጥዕናን ኩሎም ብሓባር ክም ዝህብዎ ምኽሪ፣ ኩለን ጥኑሳት ወይ ጡብ ዘጥቡባ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳምነት ክዋሃበንን፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን (ኣብ ዝኾነ ሠለስተ ኣዋርሕ) ኣብ እዋን ጥንሲን፣ ኣብ እዋን ጡብ ምጥባብን ብቑዓት እንተ ኾይነን ወይ ካልእ ዝጋጮ ነገር ዘየለ እንተኾይኑ ክታበት ኪወስዳ ከምዘለወን ይመኽሩ፡፡ ብዛዕባ’ዚ ዝኾነ ይኹን ሕቶ እንተሎክን ብፍላይ ጥኑሳት እንተዀንክን፣ ወይ ንክትጠንሳ ትልሚ እንተ ሃልዩክን፣ ወይ ጡብ ተጥቡባ እንተደኣ ዀንክን፣ ብዛዕባ ክታበት ኮቪድ-19 ንኣላዪ ኽንክን ጥዕናኽን ኣዛራርባ፡፡
ዝኾነ ይኹን ክታበት እንተላይ ክታበት ኮቪድ-19 አብ ደቂ ኣንስትዮ ኾነ ደቂ ተባዕትዮ ንዘሎ ፍርያት ይጸልዎ እዩ ዝብል መርትዖ የለን፡፡
ሓደ ሰብ ክታበት ኮቪድ-19 ንኸይወስድ ዝጠልቡ ብጣዕሚ ውሑዳት ምኽንያታት ኣለዉ፡፡
በዞም ዝስዕቡ ምኽንያታት ድማ ክታበት ከትወስዱ የብልኩምን፦
ኣብቲ ኽታበት ንዘለዉ ገለ ተዋጽኦታት ከቢድ ቁጠዐ አካላት ዘስዕቡልኩም እንተኾይኖም፦ሓደ ናይ ኤምአርኤንኤ ተዋጽኦ ከም ሳሕቲ ዜጋጥም፣ ግናኸ ምስ ኸቢድ ቁጥዐ ኣካላት (ኣናፊላክሲስ) ዚተሓሓዝ ንጥረ ነገር ፖሊቲሊን ግላይኮል (ፒኢጂ) ዝባሃል እዩ፡፡ እዚ ድማ ኣብ ገለ ኩሕሊ ምሕሊ፣ ፍርያት ክንክን ቈርበት፣ መለስለሲ ኣንጀት፣ ዝተኣሸገ ምግቢን መስተን፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ፍርያት ይርከብ እዩ፡፡ መዘከርታ፦ ፒኢጂ ኣብ ክታበታት አስትራዘነካን ጆንሶንን ጆንሶንን ውሽጢ የለን፡፡ ከም ሳሕቲ ዜጋጥም፣ ግና ምስ ከቢድ ቁጠዐ ኣካል ዝተታሓሓዘ ኣብ ክታበታት ኣስትራዘነካን፣ ጆንሶን ጆንሶንን ዝርከብ ንጥረነገር ፖሊሶርቤት 80 ዝባሃል እዩ፡፡ ኣብ እዞም ዝስዕቡ ሕክምናዊ ቅመም ምድላዋት እውን ይርከብ‘ዩ (ንኣብነት፦ ናይ ባይታሚን ዘይቲታት፣ ክኒናት ከምኡ’ውን ናይ ጸረ ሙንሽሮ መድሓኒታት) ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ናይ ኩሕላ ኩሕሊ ኬሚካላት ይርከብ እዩ፡፡
2. ምስ‘ቲ ኣቐዲሙ ዝተወስደ ናይ ክታበት ኮቪድ-19 ዓቐን (ዶዝ) ወይ ምስ ዝኾነ ይኹን ክፋል ናይ‘ቲ ክታበት ዝተተሓሓዘን ንህይወት ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘብጽሕ ምላሽ ኣጋጢሙ እንተ ነይሩ፣
ቅድሚ ሕጂ ሓደገኛ ዝኾነ ጸገም ኣናፊላክቲክ ኣጋጢሙካ እንተ ነይሩ እሞ ግናኸ ጠንቂ እቲ ሕማም እንተ ዘይፈሊጥካዮ ምስ ኣላዪ ኽንክን ጥዕናኻ ተዛራረብ፡፡ ግብረ መልሲ ከቢድን፣ ንህይወት ኣብ ሓደጋ ዜእቱን ቁጠዐ ኣካላት (አናፊላክሲስ) ካብቲ ሰባት ዝሓስቡዎ ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዝርከብ፡፡ አናፊላክሲስ ብመብዛሕትኡ መዳያት ክትካላኸሎ ዝካኣል’ዩ፣ ብኹሉ ኩነታት ድማ ክሕከም ዝካኣል እዩ፡፡ ኩሎም እቶም ኣብ ካናዳ ዘለዉ ክታበት ብምሃብ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ኽንክን ጥዕና ንሕማም ኣናፊላክሲስ ብንጥፈት ናይ ምክትታልን ናይ ምሕካምን ተኽእሎ ዝህብ ሥልጠና ብኡ ንቡኡ ክዋሃቦም ኣድላዪ እዩ፡፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኮይኑ፣ ኣብ ርእይቶ ክኢላ ቁጠዐ ኣካልን፣ ሓላፊ ሕክምና ጥዕናን ዝዋሃብ መምርሒ መሠረት ብምግባር፦ ሓደ ሰን ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ብዝግበር ምድላው ክታበት ክወስድ ይኽእል’ዩ፡፡
ኣልኮል ክትሰቲን ከምኡ’ውን ናብ’ቲ ቆጸራ ክታበትካ ሰኺርካ ክትመጽእን ኣይፍቀድብ እዩ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ድሕነት ናይቲ ኽታበት ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ (ማለት ኣልኮላዊ መስተ ነቲ ክታበት ከም ዘተዓናቕፎ) ኣይኰነን፡፡ ግና እቲ ኣላዪ ኽንክን ጥዕና በዓል ሞያ ናዓኻ ክታበት ቅድሚ ምሃቡ ተረዲኡካ ትውስኖ ፍቓድካ ስለ ዘድልዮ እዩ፡፡ ኣልኮላዊ መስተ ድማ ነቲ ብዛዕባ ጥዕና ዚገልጽ ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ክትርድኦን ሕቶታት ክትሓትትን ንዘሎካ ተኽእሎ ከዳኽሞ (ከናእሶ) ስለ ዝኽእል እዩ፡፡
ኣብ ዙሪያ አጠቓቕማ ኣልኮላዊ መስተን ኣብ ክታበታት ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ጽልዋን ውጽኢታዊነትን ዝተገብረ መጽናዕቲ የልቦን፡፡ ምስ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝቃለሱ ሰባት (ኤዩዲ) ናቶም ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም ብልሽው (ድኹም) ክኸውን ስለ ዝኸእል ምስ ኣላዪ ኽንክን ጥዕና ሓኪሞም ክዛራረቡ ኣለዎም፡፡ ክኢላታት ከምዝገልጹዎ ድማ መጠኑ ዝሓለወ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ሥርዓተ ምክልኻል ሕማም ኣሉታዊ ጽልዋ ኪህልዎ አይንጽበን ኢና፡፡
ካናቢስ ትጥቀም እንተ ዀንካ እቲ ክታበት ኮቪድ-19 ኣባኻ ዘስዕቦ ጉድአት አይኪህሉን፡፡
ይኹን እምበር እቲ ቖጸራኻ ምስ ኣኸለ ግና (ብምክንያት እጽ ምጥቃም) ስሚዒትካ ሓፍ ኢሉ ንኸይትመጽእ ንላቦ፡፡ እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ድሕነት ናይቲ ኽታበት ዘተሓሳስብ ስለ ዝኾነ (ማለት ማሪዋና ነቲ ክታበት ከም ዘተዓናቕፎ ብምሕሳብ) ኣይኰነን፡፡ ግናኸ እቲ ኣላዪ ኽንክን ጥዕና በዓል ሞያ ናዓኻ ክታበት ቅድሚ ምሃቡ ተረዲኡካ ትውስኖ ፍቓድካ ስለ ዘድልዮ እዩ፡፡ ማሪዋና ድማ ነቲ ብዛዕባ ጥዕና ዚገልጽ ሓበሬታ ሙሉእ ብሙሉእ ክትርድኦን ሕቶታት ክትሓትትን ንዘሎካ ተኽእሎ ከዳኽሞ (ከናእሶ) ስለ ዝኽእል እዩ፡፡
ኣብ ዙሪያ አጠቓቕማ ካናቢስን፣ ኣብ ክታበታት ኮቪድ-19 ዘስዕቦ ጽልዋን ውጽኢታዊነትን ዝተገብረ መጽናዕቲ የለን፡፡ ይኹን እምበር ምትካኽ ካናቢስ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ዝሕብር ሓድሽ መርትዖ ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ምትካኽ ካናቢስ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ መተንፈሲ ኣካላትን፣ ሕማም ናይ ምክልኻል ክእለት ሓደ ሰብን ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ኸምዝኽእል’ዩ፡፡ እዚ ድማ ክታበት ኮቪድ-19 ምውሳድ ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ፡፡